Laddar...

Tigrinska – Tigrinya – ትግርኛ

 

ብምፍርራሕ፡ ጎነጽ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዝተቓልዓ አንስትን ኣዋልድን ብተሌፎንን ብቻትን ዝወሃብ ደገፍ

ንሕና፡ ነተን ብኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ፋይናንሳዊ ወይ ጾታዊ ጎነጽ ዝተቓልዓ ደገፍ ንህብ ሃገራዊ መስመር ኢና።
ጽን ኢልና ንሰምዓኪ፡ ንድግፈክን ሓገዝ አበይ ከም ዝርከብ ንሕብረኪ። ምሳና ምርኻብ ገንዘብ ዘይክፈሎ ነጻ እዩ።
መንነቲ ምቕላዕ አየድልየክን እዩ። ዕድመ ብዘየገድስ፡ ኲሉ ተሌፎን ክድውልን ቻት ክገብርን ይኽእል እዩ።

ቋንቋና ሽወደንኛ ኮይኑ፡ አድላዪ ምስ ዝኸወን ድማ ናይ ተሌፎን አስተርጓሚ ነቕርብ። አስተርጓሚ አብ ተሌፎን
ክሳብ ዝጽምበረና፡ ሓንሳብ ትጸንሒ።

እቲ ዕላል ብሽወደንኛ ጥራይ እዩ

ቊጽሪ ተሌፎን 116 016  ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት፡ 24 ሰዓታት ክፉት እዩ።

ቻት kvinnofridslinjen.se

Kvinnofridslinjen መንግስቲ ብዝሃቦ ተልእኾ፡ ብሓልዮት NCK ይካየድ